Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓቢዩ መርሃ ግብሪ ናይ ጎደና ኢፍጣር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓቢዩ መርሃ ግብሪ ናይ ጎደና ኢፍጣር ሎሚ መዓልቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣውራ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ስዒቡ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ኢፍጣ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።

ፆም ረመዳን መኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ብምግባር ዓበይቲ መርሃ ግብሪታት ናይ ጎደና ኢፍጣር እናተሰናድኡ ፀኒሖም።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ዒድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነኽብር ብምባል “ዓቢዩ ሰላት ዒድ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵዮውያንን ከምኡ እውን ንፈተውቲ ኢትዮጵያ ፃውዒት ምቕራቦም ስዒቡ ዝኣተዉ ኣጋይሽ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃግብሪ ኢፍጣር እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፥ ፃውዒት መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ተቐቢሎም ናብ ሃገር ንዝመፅኡ ዳያስፖራታትን ንተኸተልቲ እምነት እስልምናን “እንኳዕ ንዓቢዪ መርሃ ግብሪ ዒፍጣር ጎደና ኣብፀሐኩም” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ብምክብባርን ብምትሕስሳብን ካብ ዘበን ናብ ዘበን ዝሳገሩሉ ዘኹዕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ኢያ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ንምፍላይ ዝምነዩ ሰረቕቲ ታሪኽ ንኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ መገዲታት ብምጥቃም ሓሳቦም ንምዕዋት ይፈትኑ እምበር ከምዘይተሳኸዐሎም ዝሓበሩ ኣይ ጃንጥራር፥ እዞም ፀሞቕቲ ጎንፂ ኣደብ ክሐዙ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

“ሓድነትና ዘይልሕልሕን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝተመስረተ ኢዩ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ብምትሕብባርን ብምክብባርን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተርኣዩ ሃይማኖት ተኮር ጎንፂታት ብሓባር ምክልኻል ክዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ከምዝሕተቱ ብምሕባር ማሕበረሰብ እውን ንባዕሉ ካብ ተመሳሰልቲ ምንቅስቓሳት ክቑጠብ ኣገንዚቦም፡፡

ብኣብረሃም ፈቀደ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.