Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መካረይቲ ሙሉእ ሓበሬታ ተኻረይቲ ንኸመዝግቡ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መካረይቲ መንበሪ ገዛ ሙሉእ ሓበሬታ ተኻረይቲ ንኸመዝግቡ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብታ ከተማ ዝኾነ ይኹን መካረዪ መንበሪ ገዛ ኣብ መምርሒ ፖሊስን ጣቢያታት ፖሊስን ዓሰርተ ሓዲአን ክፍለ ከተማታት ሙሉእ ሓበሬታ ተኻረይቲ ብመሓዝ ብኣካል ብምቕራብ ንኸመዝግቡ ኢዩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ዘሎ፡፡

ሓይሊ ፀፅታ ንሕብረተሰብ ስግኣት ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍላይ ኣድላዪ ስጉምቲ እናወደ ከምዝርከብ ዝገለፀ ፖሊስ፥ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንስራሕቲ ፀፅታ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ምውፅኡ ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ዝኾነ ይኹን መካረዪ መንበሪ ገዛ እቲ መምርሒ ጀ,ካብ ዝወፅአሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን መንነት ተኻራዪ ዝገልፅ ሓበሬታ ብመሓዝ ንኸመዝግብ ተሓቲቱ፡፡

እቲ መምርሒ ተግባራዊ ኣብ ዘይገብሩ ኣካላት ብሕጋዊ መገዲ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.