Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 108 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ እቶት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 108 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣደም ኑሪ፥ እቲ ቢሮ ኣብ 9 አዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 108 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ገሊፆም።

እቲ ኣታዊ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 34 ቢሊየን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ካብ ቀጥታ ታክስ፣ ቀጥተዊ ዘይኮነ ኣገለግሎት ኣታዊ ታክስ፣ ማዘጋጃ ቤታዊ ኣታዊን ካልኦትን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብስኑዕ ብፅሒት ዕዳጋ ካብ ዝፍፅሙ ዝነበሩ ከፈልቲ ግብሪ ብሓፈሻ 225 ሚሊየን ብር መቕፃዕቲ ገንዘብ ብምኽፋል ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.