Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

6ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ እናተኻደ እንትኸውን፥ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ምጥቃም ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ትኹረት ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ብብርኪ ዓለም ዘይምርግጋእ ፋይናንስ ዘፈር ውልቀ ክሌማዊ ለውጢ ምፅዋር ዝኽእሉ  ስትራቴጂታት ንምድንፋዕ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ንኸጠናኽር ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ሓለዋ ከባቢ ሩዋንዳ ክላውዲን ኡዌራ ከምዝበሉዎ፥ ዓለም ለኸ ማሕለኻታት ፋይናንስ ምፍታሕን ክሌማዊ ለውጢ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ንምፍታሕ መሰል ኢንቨስትመንታት ከጠናኽር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ንክሌማዊ ለውጢ ዝተላመዱ ስትራቴጂታት ምስ ሰፊ ሃገራዊ ፖሊሲታትን ኩዲታት ትልሚን ምውዳድ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ቀረብን ድሌትን ፋይናንስ ለውጢ ኣየር ዘሎ ኣፈላላ ንምስትኽኻ ምትሕብባርን ሓበራዊ ፃዕሪታትን ንኽገብሩ ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.