Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት መግለፂ ተዋሂቡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፣ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌን ሃረሪን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ንዘበናት ካብ ውሽጥን ደገን ንዘጋጠምዋ ፈተናታት ሓድነታ ሓሊያ ብዓወት ብምስጋር ሐዚ ንዘላትሉ ፅኑዕ ሰረት

ክትበፅሕ ክኢላ ኢያ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ሓድነት ውፅኢት ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ዕድል ህልውና ህዝባ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ደው ንክትብልን ሓድነት ህዝባ ተጠናኺሩ ንዘበናት ንክሰጋገር ካብ ዝገበሩ ትካላት ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

እዚ ትካል ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝተወከልሉ ህብረብሄራዊነት ኢትዮጵያ ብዝግባእ ካብ መንጎ ዝረኣየሎም ትካላት ሓደ ብምዃን ግዝኣት፣ ሓድነትን ሉእላውነትን እዛ ሃገር ብምሕላው እንተገልግል ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ብብርኪ ዓለም ካብ ዝወሃቡ ምኽባር ሰላማት በምውፋር ብጅግንነት ዘኹርዕ ታሪክ ዝሃነፀ ህዝባዊ ሰራዊት

ከምዝኾነ እቶም ክልላት ኣብ መግለፂኦም ኣረዲኦም።

ይኹን እነበር እዚ ታሪኻዊን ግዙፍን ትካል ብውሽጢ ዘለዉ ፅንፈኛታት ግዳማዊ ታሪኻዊያን ፀላእትን ተዋዲዶም ዝተፈላለያ ማሽነሪታት ፕሮፓጋንዳ ብምጥቃም ስሙ ንምጥፋአን ንምድኻምን ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ኢሎም።

እዚ ዋላ ይገበር ሰራዊት ምክልካል ሃገር ህብረብሄራዊነቱ ሓሊዩ ግቡኡ ኣብ ምውፃእ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልካል ሃገር ምንካእ ማለት ልኡላዊነት ሃገር ምንካእ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም እቶም ክልላት።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተኸፈተ ስም ናይ ምጥፋእ ወፍሪን ወፍሪ ፅልኣትን ብሓባር ክንከላኸል ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብ ኣምሓራ ዘሎ ፅንፈኛ ሓይሊ ሕቶ ህዝቢ ከምዘቐደመ ብምምሳል ብዕጥቂ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምፍፃም ነቲ ክልል ዓውዲ ኲናት ይገብሮ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘለዎም ረብሓ ዝተዛመደ ብምዃኑ ሃገራዊ ሓድነቶም ብምፅናዕ ብደምን ኣዕፅምትን ኣዶታትን ኣዴታትን ዝፀንሐት ሃገር ንቀፃሊ ትውልዲ ከሰጋግሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ዘጋጠሙ ፀገማት እንተሃሊዮም ኣብ ጠረጴዛ ብምዃን ብምዝታይን መፍትሒ ብምምፃእን ዕልባት ክረኽቡ ከምዝግባእ ድማ ኣፅንኦት ተዋሂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.