Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ፈረንሳይ ብዝተገበረ ፍተሻ ብዙሓት መዐወኒ ሓሽሽ፣ መሳርሒታትን ካልኦት ናውቲን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ከባቢ ፈረንሳይ ፖሊስ ብዝገበሮ ፍተሻ ብዙሓት መዐወኒ ሓሽሽ፣ ናይቲ ግብረ ራዕዲ መልእኽ ዝሓዙ በረርቲ ወረቓቕቲ፣ ቲሸርትታትን መሳርሒታትን ከምኡ እውን ብዙሓት ናይ ሓይሊ ፀፅታ ክዳውንቲ ከምዝሓዘ ገሊፁ።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መሰረት ዝገበረ ፍተሻን ብርበራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝተፈላለዩ ውፅኢታት እናተመዝገቡ ይርከቡ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ከባቢ ፈረንሳይ ሌጋሲዮን ፖሊስ ጣቢያ ኣብ ኣርባዕቲኦም ወረዳታት ኣብ 15 ኣባይቲ ብዝተገበረ ፍተሻ ሓደ ሳንዱቕ ሓሺሽ፣ ንተግባር ራዕዲ ዝቕስቅሱ በራሪ ወረቓቕቲ፣ ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ዘጋውሑ ቲሸርታት፣ ዝተፈላለዩ ጦር መሳርሒታት፣ ናይ ፀፅታ ሓይሊ ክዳውንቲን ኣፋውስን ከምዝሓዘ ሓላፊ ፖሊስ ጣቢያ ፈረንሳይ ሌጋሲዮን ዋና ኢንስፔክተር ፍቃዱ ጽጌ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ጦር መሳርሒታት ቡባ ሓዊሱ ኣብቲ ፍተሻ ከምዝተትሓዘ እውን ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ ሃገር ንምድሓን ሽርሒ ግብረ ራዕዳውያን ንምቅላዕ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ህዝቢ ንፖሊስ እናሃቦ ዝርከብ ጭቡጥ ሓበሬታ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.