Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ተግባር ሽፍትና ዘካይዱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብእስራት ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ተግባር ሽፍትና ዘካይዱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብእስራት ከምዝተቐፅዑ ጣቢያ ፖሊስ ከባቢ ሽሮሜዳ ገሊፁ።

ሓላፊ ምትሕብባር ምርመራ ገበን እቲ ጣቢያ ምክትል ኢንስፔክተር ፍቅሩ ማሞ፥ ዮናስ ዳኜን ንግዚኡ ዘይተትሓዘ መሻርኽቱን ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ውልቀ ሰባት ተግባር ሓይሊ ብምጥቃም ገበን መንጠላን ሽፍትናን ብምፍፃም ጥረ ገንዘበን ካለኦት ንብረታትን እንትዘርፉ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

ምድብ መጋባእያ ጉለሌ ቀዳማይ ደረጃ ቤ ፍርዲ ፌዴራል ነክልቲኦም ተኸሰስቲ ኣብ ዘለውሉ ንሕድሕዶም ብ16 ዓመትን 6 ኣዋርሕን ፅኑዕ እስራት ንክቕፅዑ ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.