Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ብዙሓታ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

እቲ ሰልፊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ፣ ኩሎም ኣመራርሓታትን ፓርቲ ብልፅናን ንምብርትታዕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቶም ተሳተፍቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ የምፅኡዎ ንዘለዉ ለውጢን ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም።

ካብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ዞባ ሲዳማ ዝተውፃእፅኡ ሰባት እውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ለውጢን ፓርቲ ብልፅግናን ዝድግፍ ሰልፊ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ነበርቲ ከተማ ፊቼ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ 13 ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛቲፎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.