Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሑመራ ክልተ ሻንጣ ሙሉእ ብር ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሑመራ ክልተ ሻንጣ ሙሉእ ብር ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሎም።

መሳርሕቲ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ምዕራብ ጎንደርን መኽበሪ ሰላም ከተማ ሑመራን ዋና ሳጅን እሸቴ፥ ክልተ ውልቀ ሰባት ክልተ ሻንታ ሙሉእ ብር ሒዞም ብባጃጅ እናተጓዓዙ እናሃለዉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ብቕድሚ ትማሊ ኣብታ ከተማ ተፍትሽ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ምርመራ እናተገበረሎም ይርከብ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.