Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ባቢሌ ልዕሊ 4 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ባቢሌ ልዕሊ 4 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኮትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ገሊፁ።

መተሓባበበሪ ዲቪዥን ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን ኢንስፔክተር ቶሎሳ ጐሹ ብፍላይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ÷ 17 ጥሪ 2014 ዓ.ም ምሸት ከባቢ ሰዓት 4 ብልሙድ ሽሙ “ሻምቦ” ዝበሃል መኪና ፅዕነት፤ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ፅዒኑ እንተዘዋውር እዩ ተታሒዙ።

እቲ ተሸከርካሪ ካብ ክልል ሶማሌ ተበጊሱ ብወገን ፊቅ ዝተብሃለ መገዲ እንትሓልፍ ኣብ ኬላ ባቢሌ ብፖሊስ እታ ከተማ፣ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ብሓበሬታ ማሕበረሰብን ከምዝተትሓዘ ሓቢሮም።

እቶም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ግምታዊ ዋግኦም ልዕሊ 4 ነጥቢ 1 ሚለየን ብር ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ ክዳውንቲን ሳእኒ ህፃናትን ዓበይቲን፤ ጎማታት ጋሪን መቐያየሪ ኣቑሑት ከምዝኾኑ ኢንስፔክተር ቶሎሳ ገሊፆም።

ነቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ፅዒኑ እናዘዋወረ ዝነበረ ሹፌር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ እቶም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኣብ መቆፃፀሪ ጣብያ ጉምሩክ ሃረር ደከር ኣታዊ ከምዝተገበሩ እውን ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.