Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ብመንነቶም ይእሰሩ ኣለዉ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ሓሶት ኢዩ – ኣምባሳደር ሬድዋን

ኣዲስ አበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ ዝናፈስ ወረ ሓሶት ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ኣልጀዚራ ፃንሒት ገይሮም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብመንነቶም ተፈሊዮም ይእሰሩ ኣለዉ፤ ተባሂሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ሰባት ብመንነቶም ጥራሕ ንማእሰርቲ ዝዳረጉሉ ኩነታት ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ሰባት ብመንነቶም ንማእሰርቲ ተቓሊዖም ዝብል እምነት ከመዘይብሎም ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ እዚ እንተተፈፂሙ ግን ብሕጊ ዘሕትት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፖሊስ ምስ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሓዙ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዕልን ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ተፃርዩ ኢዶም እንተዘይሃሊዩዎ ከምዝፍትሑን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ትርከብ ምዃና ስዒቡ ኣባላትን ልኡኻትን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብኣካላት ፀፅታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ግቡእ ድዩ ብዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሰባት ምስ ጉዳይ ፀፅታ ዝተሓሓዝን ንፖሊስ ዝምልከትን ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

እቶም ሰራሕተኛታት ንትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስረሖም ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ሃገር ምስ ትርከበሉ ኩነታት ተተሓሒዡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ዝወዓሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝተወሰኑ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስረሖም ብግቡእ እንተይሰርሑ ኣብ ልዕሊ መንግስቲን ህዝቢን ወቐሳ ምዝርገሖም ግቡእ ከምዘይከነ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ጎንፂ ናብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ተቓሪቡ ኢዩ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ናይ ፈጠራን ሓሶትን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ከምዚ ዓይነት ናይ ሕሶት ወረ ሲኤን ኤን ሓዊሱ ቢቢሲን ካልኦት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽን እናጋውሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.