Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣባ ልዕሊ 22 ሺሕ ኩንታል ሲሚንቶ ብዘይሕጋዊ መገዲ መገዲ እናተዘዋወረ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተግባራዊ ዝተገበረ መምርሒ ዕድጊት ሲሚንቶ ካብ ዝፈቕዶ ወፃእ 22 ሺሕን 293 ኩንታል ሲሚንቶ ብዘይሕጋዊ መገዲ መገዲ እናተዘዋወረ ተታሒዙ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን እናተርኣየ ዝርከብ ናህራ ዋጋ ሲሚንቶ ንምግታእ መምርሒ ዕድጊት ሲሚንቶ ቁፅሪ 908/2014 ኣውፂኡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ምግባሩ ይዝከር፡፡

ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣይተ ኣደም ኑሪ÷ ብዝተገበሩ ስራሕቲ ቁፅፅር 22 ሺሕን 293 ኩንታል ሲሚንቶ ብዘይሕጋዊ መገዲ መገዲ እናተዘዋወረ ተታሒዙ ሕጋዊ ስጉምቲ ፡ከምዝተወሰደ ገሊፆም፡

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 15 ሺሕን 179 ኩንታል ተወሪሱ ከምዝተሸጠ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 2 ሺሕን 226 ኩንታል ተፃሪዩ ሕጋውነቱ ዘረጋግፁ መረዳእታታት ተማሊኦም ዝተለቐቐ እንትኸውን÷ ዝተረፈ መንግስቲ ብዝዝተመኖ ዋጋ ከምዝተሸጠ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.