Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።
እቲ ውድድር ትማሊ ምሽት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ኮንቲኔንታል ቱር ጎልድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣትሌት ማርታ ነቲ ርሕቐት ብ15 ደቒቓን 14 ሰከንድን 54 ማይክሮ ሰከንድን ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ።
ኣትሌት ለምለም ንብረት፣ ኣትሌት ሺቶ ጉሚ ብቕደም ሰዓብ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዘን።
ብተመሳሳሊ ርሕቐት ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ነቲ ርሕቐት ብ13 ደቂቃን 34 ሰከንድን 77 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ተዓዊቱ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.