Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ንኽረምታዊ ሕርሻ ዝውዕል ዘበናዊ ዱኽዒ ፍርቁ ናብቲ ክልል ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ፍርያት ሕርሻ 2013/14 ዓ.ም ካብ ሞንጎ ዘድሊ ዘበናዊ ዱኽዒ ሓመድ (መዳበርያ) ፍርቁ ናብቲ ክልል ከምዝበፅሐ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት 800 ሺሕ ኩንታል መዳበርያ ከምዘድሊ ኢዩ።

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 400 ሺሕ ኩንታል ናብቲ ክልል ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንመግዝኢ መዳበርያ ብመሰረት ዘሃቦ ዋሕስ ልቓሕ ብር 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን፥ እቲ መዳበርያ እናቐረበ ከምዝኾነ እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፊ ገሊፆም።

እቲ መዳበርያ ናብ ሓረስቶት ንምክፍፋል ቅድመ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ንፍርያት እቲ ከርምቲ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 400 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ፥ እቲ 150 ሺሕ ኩንታል ዕድጊት ተፈፂሙ ናብቲ ክልል እናተጓዓዓዘ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.