Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ምስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ 349 ሰባት ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም እቶም 124 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ትቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ምስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ፖሊስ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ውፅኢት ምርመራ ብመግለፂ ዕላዊ ገይሮም።

349 ሰባት ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም እቶም 124 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ

እቲ መግለፂ ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ፍቃዱ ተሳማን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሎስ ፌዴራልን ብሓባሪ ሂቦም።

ስለዝኾነ ድማ ብገበን ክሕደት ሃገር፣ ኣብ ሉኣላዊነት ብዝተሃቀነ መጥቃዕቲን ገበን ግብረ ራዕዲን ዝተጠርጠሩ 349 ሰባት ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝወፅአሎም እንትኾኑ፥ እቶም 124 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ 680 ናይ ሰብን ሰነድን ምስክር ከምዝቐረበሎም እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ማይካድራ ምዝተገበረ ጭፍጨፋ ተተሓሒዙ እውን 279 ሰባት ኣብቲ ገበን ከምዝተሳተፉን እቶም 36 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ኣብቲ መግለፂ ተገሊፁ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.