Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ፍርስራስ ቤተ ክርስትያን ብስነ ኳዕቲ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ካብ 700 ክሳብ 1 ሺሕ ዓመት ዝገበረ ፍርስራስ ቤተ ክርስትያን ብስነ ኳዕቲ ተረኺቡ።

ኣብቲ ወረዳ ጣብያ ሓድነት ቑሸት ደብረ ገርግስ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ሓደ ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ፍርስራስ መንደቕ ቤተክርስቲያን፥ ብሰብ ሞያ ኳዕቲ ማእኸል ሳይንስ ስነ-ኳዕቲ ዩኒቨርስቲ ፖላንድ ከም ዝተረኸበ ሳይንስ ኢን ፖላንድ ዝተብሃለ ኣብቲ ዘፈር ዝስንድ ድህረ-ገፅ ፀብፂቡ።

ፍልፍል፡- ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.