Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 4 ሺሕ መንበሪ ኣባይቲ መምህራን ንምህናፅ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ 4 ሺሕን 500 መንበሪ ኣባይቲ መምህራን ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ትልሚን ምድላው በጀትን እቲ ቢሮ ሃሰን እንድሪስ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምድንፋዕ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣድለይቲ ዝኾኑ እታወታት ኣብ ኩሉ ብርኪ ንዝርከቡ ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ምምላእ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ነባር ኣቢያ ትምህርቲ ምጥንኻር፣ ግልጋሎት ምገባ ተምሃሮ ምስፍሕፋሕን መምሀሪ መፃሕፍቲ ንምምላእን ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ካብዚ በተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ሓዊሱ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ 4 ሺሕን 754 ቅድመ ስሩዕ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም፡፡

ብካሊእ መዳይ ዓንዲ ሑቐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንዝኾኑ መምህራን ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 4 ሺሕን 500 መንበሪ ኣባይቲ መምህራን ንምህናፅ ትልሚ ተታሒዙ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣገንዚቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.