Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ልዕሊ 325 ሺሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ልዕሊ 325 ሺሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ከምዝኾኑ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 163 ኣቢያተ ትምህርቲ ብዕጡቓት ሸኔ ከምዝተቓፀሉን 756 ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተዘረፉን ገሊፆም።

ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ልዕሊ 325 ሺሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ከምዝኾኑ እውን ኣገንዚቦም።

5 ሺሕን 227 መምህራን ካብ ስረሖም ወፃእ ከምዝኾኑ ኢዮም ዘመልከቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ እቲ ክልል ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ብዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ 23 ኣቢያተ ትምህርቲ ትምህርቲ ቋንቋ ኦሮሚኛ እናተውሃበ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኬሚሴ፣ ክልል ጋምቤላን ካልኦት ክልላትን እውን ትምህርቲ ኣፋን ኦሮሞ እናተውሃበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብገመቹ ቤኩማ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.