Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ይዋፃኡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን መዳይ ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተደገፈ ሓገዛት እናገበሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ጥምረት ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ዓመታዊ ጉባኤ ብኣዳላውነት ዩኒቨርስቲ ሐረማያ ያካየድ ኣሎ፡፡

ሰብሳቢ እቲ ጥምረትን ፕሬዚዳንት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ አዳማ ዶክተር ለሚ ጉታ÷  እቲ ጥምረት ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ኣብ ምዕባለ ሃገር ሓገዝቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ክሰርሕ ምፅንሑ ሓቢሮም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናትን ኣብ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡን ኢሉውን ኣብ መተሃራ ብውሑጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት  ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ብውልቀን ብጉጅለን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበሩ ሓቢሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሐረማያ ዶክተር ጀማል የሱፍ ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ ሕዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ፀገም ንምቅላል ኣባላት እቲ ጥምረት ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.