Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጉድለት ስነ-ምግባር ኣብ ዝተርኣየሎም ልዕሊ 18 ሺሕ ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንህዝቢ ብግቡእ ዘየገልገሉን ጉድለት ስነ-ምግባር ኣብ ዝተርኣየሎምን ልዕሊ 18 ሺሕ ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ተወሲዱ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ቅፅዓት 20 ሚሊየን ብር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደሎም ተገሊፁ።

ሴክተር ቤት ዕዮታት ክልል ኦሮሚያን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ግምገማ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሓፂር እዋንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ግምገማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሴክተር ቤት ዕዮታትንን ሰብ ሞያን ተረኺቦም።

ኣይተ ኣወል ኣብዲ፥ እቲ ገምጋም ምስ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ተተሓሒዙ ህዝቢ ዘልዕሎም ቅርታታት ኣብ ምንታይ መልክዑ እናተፈትሑ ከምዝርከቡ ምግምጋም፣ ሰናይ ተሞክሮታት ምስፋሕን ክፍትሑ ኣብ ዘይከኣሉ ማሕለኻታት ናይ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ምውሳድ ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ጉድለት ስነ-ምግባር ኣብ ዝተርኣየሎም ብብርኪ ዞባ ልዕሊ 16 ሺሕ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን፣ ብብርኪ ከተማታት ድማ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ከምኡ እውን ብብርኪ ክልል ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ምስንባትን ቅፅዓት መሃያን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲታት ከምዝተወሰዱ ገሊፆም።

ምስዚ ተተሓሒዡ ሓላፍነት ስረሖም ብግቡእ ንዝተግበሩ ሴክተር ቤት ዕዮታት ኣብ መጠቓለሊ እቲ በጀት ዓመት ኣፍልጦ ከምዝህብ ምግላፆም ኦ ቢ ኤን ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.