Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስረታ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ቀይሕ መስቀል ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ሰብኣዊነትን ቅንዕናን ሓገዝ ዝገብር ትካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኩለመዳይ ምዕባለ ዜጋታት ንምርግጋፅ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ግደ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣበራ ቶላ ብግደኦም÷ እቲ ማሕበር ናይ መንግስቲ ደጋፊ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብኢብራሂም ባዲን መለሰ ታደለን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.