Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ኣርባዕተ ክልላን ምዝገባ ሕፁያት 21 ለካቲት ከምዝዛዘም ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት፣ 2013 (ኤ.ቢ.ሲ)ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋ፣ ኣብ ብሄራዊ ክልላት ቤኒሻንጉል፣ ሃረሪ፣ ጋምቤላን ኦሮሚያን ምዝገባ ሕፁያት 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም ከምዝዛዘም ኣፍሊጡ።

ስለዝነ ድማ ፓርቲታት ፖለቲካ እዚ ፈሊጦም እዋን ገደብ ቅድሚ ምዝዛሙ ምዝገባ ሕፁያቶም ንኽዛዝሙ ፀዊዑ።

እቲ ቦርድ ከምዝገለፆ፥ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ቦሮታት ክልል መረፃ ዝርከቡሉ ኣድራሻ ንምርካብ ዝደሊዩ ፓርቲታት ኣብ ፌስቡክ ገፅ እቲ ቦርድ ኣብ ትሕቲ እዚ ዜና ኣብ ዝርከብ መፈንጠር ብምጥዋቕ ዝርዝር ኣድራሻ ምርኣይ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ኣፈፀምቲ ንምዝርራብ ዝደልዩ እንተኾይኖም ፓርቲታት ፖለቲካ እንተሊዮም ድማ ኣድራሸኦም ካብ ክፍሊ ስራሕ ፓርቲታት ፖለቲካ እቲ ቦርድ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.