Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክርኦሽያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ 7 ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክርኦሽያ ብዘጋጠመ መንቅጥቃጥ መሬት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ሀይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ካልኦት ብዙሓት ሰባት እውን ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 6 ነጥቢ 4 ዓቐን ዝነበሮ ኢዩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ኣንድረጅ ፕለንኮቪክ ናብታ ኣዝያ ዝተሃሰየት ከተማ ፐትሪንጃ ብምኻድ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ጓል 12 ዓመት ከምእትርከቦም ሓቢሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ‘ውን ናብ ከተማ ግሊና ብምኻድ ኣብታ ከተማ ሓሙሽተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝሞቱ ገሊፆም።

እቲ ሻውዓይ ኸኣ ኣብ ዛዚና እትብሃል ከተማ ዝሞተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከንቲባ ከተማ ፐትሪንጃ ዳሪንኮ ዱምቦቪክ፥ ኣስታት ፍርቂ እታ ከተማ ከምዝዓነወን በቲ ፍርስራስ ንዝተፀቐጡ ሰባት ኣብ ምውፃእ ከምዝርከቡን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.