Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዋሸንግተን ዲሲን ከባቢኣን ቤት ምኽሪ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዋሸንግተን ዲሲን ከባቢኣን ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዝተረኸባሉ ቤት ምኽሪ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ተጣይሹ።

ምጥያሽ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምህናፅ ምስሊ ሃገር፣ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ኣብ ምፍሻልን ካልኦት ምኽባር ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያን ብዝተወደበ መልክዑ ንምስራሕ ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን፥ ኮቪድ-19 ንምክልኻል፣ ንግድብ ህዳሰ፣ ኣብ ምህናፅ ምስሊ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበሩ ዝርከቡ ዘይተገብኡ ፅዕንቶታት ብምቅዋምን እናገበሩዎ ንዝርከቡ ሓገዝ ኣመስጊነን።

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፀዊዐን።

ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ብግደኦም፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ምስቲ ቤት ምኽሪ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ዝርከቡ ዳያስፖራታት ነዚ ኣብነት ተኸቲሎም እናሰርሑዎም ዝርከቡ ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ብዝተዋደደ መልክዑ ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ምምስራት እቲ ቤት ምኽሪ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዝውዕል 54 ሺሕ ዶላር ዝተኸፈለ ሓገዝ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ መሳርሕቲ ማእኸል ሚዲያ ድማ 50 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣተኣኻኺቦም ንምእታው ቃል ከምዘኣተዉ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.