Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝሞቐ መዓልቲ ትማሊ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝሞቐ መዓልቲ ትማሊ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።

ሓበሬታ ማእኸላት ሓበሬታ ትምበያ ከባቢ ኣሜሪካ ከምዘመላኸቶ÷ ማእኸላይ ሙቐት ከም ናይ ትማሊ ዕለት ሓፍ ኢሉ ኣይፈልጥን፡፡

ናይ ትማሊ ማእኸላይ ሙቐት ዓለም 17 ነጥቢ 01 ዲግሪ ሴሊሺየስ (62 ነጥቢ 62 ዲግሪ ፋራናይት) ብምዃን ተመዝጊቡ፡፡

ካብ ቀረባ ሰሙናት ንደሓር ነበርቲ ደቡባዊ ክፋል ኣሜሪካ ብምኽንያ እቲ ሙቐት እናተሳቐዩ ምቕናዮም ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሙቐት ኣብ ቻይና እውን ልዕሊ 35 ዲግሪ ሴሊሺየስ ኮይኑ ከምዝቕፀለ ተገሊፁ፡፡

ሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪካ ፍል ድማ ክሳብ 50 ዲግሪ ሴሊሺየስ ዝበፅሕ ሙቐት ኣመዝጊቡ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ብዛሕሉ ዝፍለጥ ክፋል ኣንታርክቲካ እንተይተረፈ ሙቐት ከምዘመዝገበ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ተመራማሪ ዓለም ለኸ ክሌማዊ ለውጢ ዝኾኑ ፍሪዴሪክ ኦቶ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናኾነ ዝርከብዘሕጉስ ዘይኮነስ ዘደንግፅ ነገር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ኣብ ንብረት ኣየር እናተርአየ ዝርከብ ለውጢ ኣዚዩ ዘደንግፅን ኣብ ልዕሊ ሰባትን ስነ ምህዳርን ዝተወነ ውሳነ ፍርዲ ሞት ኢዩ” ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.