Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር መሬት ዝፍፀም ሌብነት ንምክልኻል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክጠናኸሩ ኢዮም – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መሬት ተተሓሒዙ ዝፍፀም ስርቂን ምጭብርባርን ንምክልኻል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ “ውሱን ሃፍትና ዝኾነ መሬት መዝጊብና ንመሓዝ ዝጀመርናዮ ስራሕቲ ካዳስተር ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ገምጊምና” ኢለን።

ፀገማት ብምፍታሕ ዝተማለአ ስራሕ ንምስራሕ÷ ምስ መሬት ተተሓሒዙ ዝፍፀም ስርቂን ምጭብርባርን ንምክልኻል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣብሪሀን፡፡

ምምሕዳር ከተማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ÷ ቅድሚ 10 ዓመት ጀሚሩ ሕጋዊ ምርግጋፅ መሬት (ካዳስተር) ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡

እቲ ምምሕዳር ካብ 2008 ክሳብ 2011 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ እዋናት ልዕሊ 118 ሺሕ ትሕዝቶታት መሬትን ልዕሊ 161 ሺሕ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲን ብካዳስተር ክምዝግብ ክኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.