Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ፍርያት ወርቂ ዝሐሸ ኣታዊ ምርካብ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ፍርያት ወርቂ ብምልኣኽ ዝሐሸ ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣ ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጂን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ፍርያት ወርቂ ብተወሳኺ ቡን፣ ዕምበባን ጫትን እውን ልዑል ብፅሒት ንግዲ ወፃኢ ዝነበሮም ዘፈራት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ፍርያት ወርቂ 265 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር፣ ቡን 230 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር፣ ፍርያት ዕምበባ 138 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ከምኡ እውን ጫት 129 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡዎም፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ድማ ዓበይቲ ኩባኒያታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ናብ ፍርያት መዓድን እናኣተዉ ስለዝኾነ ዝሐሸ ስራሕ ብምስራሕ ዝሐሸ ውፅኢት ዝምዝገበሉ እዋን ከምዝኸውን ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.