Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ – ቢሮ ፅፅታ ክልል ቤኒ ሻንጉል

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሸንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ምሕላፉ ቢሮ ፅፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣብዱላዚዝ መሓመድ፥ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ካብ ወፃኢ ዓዲ ልእኹቶ ዝተውሃቦም ሓይሊታት ጥፍኣት 20 ሓምለ 2012 ዓ.ም ምሸት ኣከባቢ ጣቢያ ኣቡጃር ብዘብፅሑ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ንፁሃት ዜጋታት ከምዘሕለ ገሊፆም።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ግቡእ ስልጠናን ልኡኽቶን ብመሓዝ ብከቢድ መሳርሒ ተሓጊዞም፤ ብፍላይ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓልን ናይ ብሄር ጎንፂ ንምውላዕን ዕላማ ብመሓዝ ተደጋጋሚ ፈተነ ጥፍኣት እናገበሩ ምፅነሖም እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ብምትሕብባር ኣቐዲ ሰላም እቲ ክልል ንምርግጋፅ ስጉምቲ እናወሰደ ምፅንሑ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብተወሳኺ ኣርባዕተ ሰባት እባትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ሓላፊ፥ እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል፥ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ሕብረተሰብ ኣብ ምርግጋእ ከምዝርከቡ ምግላፆም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ እቲ ክልል እቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲን ዝበፅሐ ጉድኣትን ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ክኹነን ዝግበኦ ተግባር ከምዝኾነ እውን ኣመላኺቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.