Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ መዓድን ኳርቲዝ ንምድላይ ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኩባኒያ ክሩስ ኣሎስ ፒ ኤል ሲ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ናብ ፈሳሲን ካልኦት ዝተፈላለዩ እታዎታት ኢንዱስትሪን ፔትሮ ኬሚካልን ናብ ዘገልግሉ ትሕዝቶታት ንምቕያር ዘኽእል ፋብሪካን ቴክኖሎጂን  ንምጥያሽ ዝሕግዝ ን12 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ሰነድ ስምምዕነት መፅናዕቲ ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ማዕድንን ነዳዲን ግሪን ኮም ቴክኖሎጂስን ኢዩ ተኸቲሙ።

ኣሜሪካዊ ግሪን ኮም ቴክኖሎጂስ ምስ ሃዩንዳይ ኢንጅነሪንግ ኤንድ ኮንስትራክሽን ብሓባር ብምዃን ዝፍፅሞ ፕሮጀክት እንትኸውን፥ መፅናዕቱ ተዛዚሙ ናብ ትግበራ እንትኣቱ ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ነቲ መፅናዕቲ ዘድሊ 70 ሚሊየን ዶላር በቲ ኩባኒያ ከምዝሽፈን እውን ተሓቢሩ።

እቲ ዝጣየሽ ፋብሪካ፥ ናፍጣ፣ ንኣውሮፕላን ዝኸውን ነዳዲን ካልኦት ንእታዎታት ስነ ፅባቐ ዘገልግሉ ፍሪያት ዘቕርብ ከምዝኾነ ኣብቲ መፅናዕቲ ክረጋገፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልል ሶማሌ ተፋሰስ ኦጋዴንን ካልኦት 8 ትሪሊየን ኩዩብ ጫማ ዝግመት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዝርከቡ ርካቦታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ መዓድን ኳርቲዝ ንምድላይ ዘኽእል ፍቓድ ንምሃብ ዝዓለመ ሰነድ ስምምዕነት ምስ ኩባኒያ ክሩስ ኣሎስ ፒ ኤል ሲ ተኸቲሙ ኣሎ።

እቲ ስምምዕነት ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ን33 ወገናት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኩባኒያ ክሩስ ኣሎስ ፒ ኤል ሲ ብር 6 ሚሊየንን 187 ሺህን ካፒታል ኢንቨስትመንት ዘመዝገበ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.