Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ኣርባዕተ ክልል ዓፋር እዋ ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ከምዝተደምሰሰ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ኣርባዕተ ክልል ዓፋር እዋ ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ከምዝተደምሰሰ ተገሊፁ።

እቲ ጉሥለ ኣብቲ ኩይናት ዘሰለፎም ብዙሓት ዕጡቓት ተደምሲሶም፤ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ድማ ተማሪኾም።

እቲ ጁንታ ካብቲ ባቢ ፀራሪግካ ንምውፃእ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻልን ብሓባር ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝተማረኹ ኣመራርሓ እቲ ጁንታ ብዝሃብዎ ቃል እሚቢተኛ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ብድምሩ ሰለስተ ክፍለ ጦራት ኣዋፊሩ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

እቲ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ብዝተወሰደ ስጉሙቲ ሙሉእ ንምሉእ ካብ ረብሓ ወፃእ ብምዃን ከምዝተደምሰሰ ኣረጋጊፆም።

እተን ዝተረፋ ድማ ልዑል ሕፅረት ቀለብ፣ ጥይትን ሎጀስቲክስን ከምዘጋጠመን እቶም ዝተማረኹ ኣመራርሓ ምርድኦም እሙናት ፍልፍላት ብምጥቃስ ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.