Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ዋግ ህምራ ዝካየድ ደባይ ውግእ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ዋግ ህምራ ወራር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምምካት ናይ ወገን ጦር ደሀናን ዝቋላን ኣብ ዝተብሃሉ ክልተ ግምባራት ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሓይሊ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ምጥቃዕ እናተወሰደ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ካብ ፍልፍላት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፥ ወረርቲ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምውቃዕ ዓወታት ተመዝጊቦም ኢዮም።

ኣብ ክልቲኦም ግምባራት ንግብረ ራዕዲ ህወሓት እናተቃለሱ ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖ፣ ሚሊሻታትን ካልኦት ዕጡቓት ሓይሊታትን እንትኾኑ፥ ሓበራዊ ግምባር ፈጢሮም ዓወት እናመዝገቡ ኣለዉ፡፡

ኣብ ግምባር ዋግ ህምራ ንፀላኢ እናተቓለሰ ዝርከብ ናይ ወገን ሓይሊ ዝኸፈቶ ደባይ ኲናት፥ ካብ ቆዝባ ናብ ሰለስተ ኣምባን ሚዝርብን ዝበሃሉ ቦታታት ከምዝተሳገረን እቲ ውግእ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ተሓቢሩ።

ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ወገን ብዝተወሰደሎም ስጉምቲ ምጥቃዕ ልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ እናጋጠሞምን ተኸታታሊ ዓወት እናተመዝገበን ከምዝኾነ ፍልፍላት እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.