Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ መወትቲ ልዕሊ 440 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ መወትቲ 443 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ግዝኣት ከዋዙሉ-ናታል ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ብምኽንያት ዝወቕዐ ዝናብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምህንዳስ መሬትን ስዒቡ ክልተ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ሓዊሱ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 443 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ዝጠፍኡ 63 ሰባት እውን እናተኣለሹ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሓት ሆስፒታላትን ልዕሊ 500 ኣቢያተ ትምህርቲን ከምዝዓነዉ ተሓሩ፡፡

ምስ ቅልውላው ለውጢ ኣየር ተተሓሒዙ ሙቐት ከባቢ እናወሰኸ ብምምፅኡ ውሕጅን ካልኦት መሰል ከበድቲ ክስተታት ለውጢ ንብረት ኣየርን ብልዑል ኩነታትን ብተደጋጋሚን እናተፈጠሩ ስለዝኾኑ ስጉምቲ ቅድመ ጥንቃቐ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ሳይንስቲስታት እቲ ዓውዲ ኣጠንቂቖም ክብል ጢኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.