Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዱባይ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብታ ከተማ ኣብ ምንቅስቓስ ከቢድ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ዱባይ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብታ ከተማ ኣብ ምንቅስቓስ ከቢድ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ።

ኣብታ ከተማ ናብ ኢንተርናሽናል መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝሚወስድ መገዲ ሓዊሱ ኣውራ ጎዳናታትን መንበሪ ኣባይቲን ብውሕጅ ኣዐለቕሊቖም።

ጣቢያ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ፀብፃቡ ከምዝሓበሮ÷ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ምዝገባ ኩነታት ኣየር ካብ ዝጅመር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1949 ጀሚሩ ዝለዓለ ኢዩ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝወቕዖ ዝናብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ብምውቅዑ ጉድኣት ዘስዐበ ሓደጋ  ከመዘጋጠመ ሮይተርስን ስካይ ኒውስ ፀብፂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.