Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘለዉ ኣፈላላያት ብዘተ ምፍታሕ ከምዘበረታትዕ ኢጋድ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘለዉ ኣፈላላያት ብዘተ ምፍታሕ ከምዘበረታትዕ ኣፍሊጡ።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፥ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዝግበሩ ድርድራትን ዘተታትን ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዙሪያ እቲ ግድብ ዝግበሩ ድርድራት ዘላቒ መፍትሒ ንኽመፅእ፥ ምይይጣትን መፍትሒ ሓሳባትን ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ስግኣት ዝፈጥሩ ነገራት ኣየድለሊዩን ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ፥ ሰላምን ምርግጋዕን እቲ ቀጠና ክህውኹ ካብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብምዕጋስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጎራበቱዎም ሓበራዊ ታሪኻት ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ማዕረ ተረባሕነት ንኽህሉ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ንድርድር ምድላው ከምዝግባእን ንኹሉ ዝረብሕ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.