Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ 1ይቲ ብምዃን ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ክሳብ 3 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮትላንድ ግላስጎ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኸውን÷ ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ ልዕሊ 130 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 650 ኣትሌታት ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ ብ800 ሜትሮ፣ 1 ሺሕን 500 ሜትሮን 3000 ሜትሮን ብክልቲኡ ፆታ ብሓፈሻ ብ8 ደቂ ኣንስትዮን 5 ደቂ ተባዕትዮን ብድምር ብ13 ኣትሌታት ተሳቲፋ፡፡

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፅጌ ዱጉማን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፍሬወይኒ ሃይሉን ሜዳሊያ ወርቂ፣ ብ3000 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳፍ ፀጋዬ ሜዳሊያ ብሩር ከምኡ እውን ብ3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሰለሞን ባረጋ ሜዳሊያ ነሓስ ንኢትዮጵያ ኣምፂኦም፡፡

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ፣ ሓደ ብሩርን ሓደ ነሓስን ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሜዳሊያታት ክትረክብ ክኢላ፡፡

ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ ኣፍሪካ 1ይቲ፤ ካብ ዓለም ድማ 5ይቲ ደረጃ ብመሓዝ ከምዝዛዘመት ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.