Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግብፂ ሓደ ሰብ ንፈለማ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ግብፂ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮረና ከምዝተለኸፈ ትማሊ ገሊፁ።

ቫይረስ ኮረና ካብ ምድሪ ቻይና ወፃኢ ዛጊድ ኣብ 24 ሃገራት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ 500 ሰባት ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ኣብ ግብፂ ሓደ ሰብ ተለኺፉ ኣሎ።

እቲ ውልቀሰብ ወፃእተኛ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ወዲ ኣበይ ዓዲ ምዃኑ ኣይፀርሐን።

እቲ ሚኒስቴር ንውድብ ጥዕና ዓለም ዘፍለጠ እንትኸውን፥ እቲ ውልቀ ሰብ ንበይኑ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተፈልዩ ከምዝርከብ ይግለፅ።

ብተመሳሳሊ ኮሚሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና፥ ሎሚ ጥራሕ በቲ ቫይረስ 143 ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቁፅሪ መወትቲ ብድምር ናብ 1 ሺሕን 523 ክብ ክብል ከምዝኸኣለ እውን ሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.