Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓኪስታን ተጓዓዝቲ ዘሳፈረት ነፋሪት ተሓምሽሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፓኪስታን 99 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ዝነበረት ነፋሪት ብምሕምሻሻ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ክኾን ከም ዝኽእል ተገሊፁ።

እታ ካብ ላሆረ ናብ ጂናህ ዝተበሃለ ቦታ ተበጊሳ ናብ ጂናህ ትጓዓዝ ዝነበረት ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ፓኪስታን ዝኾነት ነፋሪት፥ ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ከተማ ካራቺ ምሕምሻሻ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ምኽንያት ምሕምሻሽ እታ ነፋሪትን ዝበፅሐ ጉድኣትን ኣብ ምፅራይ ከም ዝርከብ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም፡፡

ሰራሕተኛታት ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሑ እንትኾኑ፥ ዝርዝር ኩነታት ናይቲ ሓደጋ እናተፃረየ ይርከብ ተባሂሉ።

ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ብግደኦም ኣብራሪ ናይታ ኣውሮፕላን ፀገም ቴክኒክ ከምዘጋጠሞ እናገለፀ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እታ ኣውሮፕላን 91 መንገደኛታትትን 8 ሰራዕተኛታት እታ ኣውሮፕላንን ሒዛ ከምዝነበረት ተገሊፁ።

ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ኣውሮፕላን ዝነበሩን ኣብቶም ገዛውቲ ዝነበሩን ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.