Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 24 ሰዓታት ተወሰኽቲ 584 ሰባት ቫይረስ ኮሮና እንትርከቦም 20 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 11 ሺሕን 881 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 584 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 24 ሺሕን 175 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 20 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 440 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 285 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 10 ሺሕን 696 በፂሑ።

አሁን ላይ ቫይረሱ ያለባቸው ሰዎች ቁጥር 13 ሺህ 37 ሲሆን፥ ከእነዚህም ውስጥ 190 ሰዎች በጽኑ የታመሙ መሆናቸውንም የጤና ሚኒስቴር መረጃ ያመለክታል።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በዝሒ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎም ሰባት 13 ሺሕን 37 እንትኾኑ፥ 190 ሰባት ድማ ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.