Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ 2015 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ፍቅሪን መሰረት ትሕትናን ስለዝኾነ ህዝበ ክርስቲያን ሕድሕዱ ብምፍቓርን ብምፍታውን ብተግባር ክትርጉሞ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

“እግዚኣብሄር ሰብ ኮይኑ ናብዛ ምድሪ ምምፅኡ ነደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ መርኣያ ስለዝኾነ÷ ንሕና እውን እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዘርአዮ ፍቕሪ ክነርኢ ይግባእ” ኢሎም።

ሕድሕድ ምፍታው ብሰላምን ብፍቕሪን ምንባር ኣምላኻዊ ትእዛዝ ስለዝኾነ ኣብ ሓላፍነት ስረራሕ መንፈሳዊን ዓለማዊን ዝርከቡ ሰባት ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምኽባር ግቡኦም ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ብልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ ሰብን እግዚኣብሄርን ዝነበረ መንድቕ ፅልኢ ከምዝፈረሰ እውን ኣብሪሆም።

ብምዃኑ እቲ በዓል በዓል ትሕትናን ፍቕሪን ከም ምዃኑ መጠን ህዝበ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብ ካብ ዘለዎ ብምምቃል እቲ በዓል ሓቢሩ ንኸኽብር ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሱ እውን ንወገኑ ሰናይ ተግባራት ብምስላጥ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርአዮ ተምሳሌት ክትግብር ይግባእ ኢሎም።

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.