Fana: At a Speed of Life!

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ፊልክስ ሲሼክዲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ፊልክስ ሲሼክዲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢነርጂ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ፕሬዝደንት ፊልክስ ሲሼክዲ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ቀጣናዊን ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ግብፂ እውን ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝግበር ሰለስቲኣዊ ድርድር ዝቕፅለሉ መገዲ ብዝምልከት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.