Fana: At a Speed of Life!

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ንምቕፃል ምስምዕምዐን ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ንምቕፃል ምስምዕምዐን ንኢዶም።

እተን ሃገራት ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብዚ ሰሙን ዝሓዝኡ ቅዋም ብምንኣድ፥ ሰለስቲኣዊ ድርድር ንምቕፃል ምስምዕመዐን ከምዘበረታትዑ ኢዩም ገሊፆም።

እቲ ድርድር ብመርህ ምትሕብባር፣ ምርድዳእን ግልፅነትን ብምክያድ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2015 ንዝፈረምኡ ማዕቐፍ ምትሕብባር ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዓሊመን ንምስምዕማዕ ዝገብርኡ ፃዕሪ ንምድጋፍ ድሉው ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.