Fana: At a Speed of Life!

ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕመ ካትሪን ሱዚን ኣንባሳደራት 5 ሃገራትን ናብ ጅግጅጋ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድም ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)  ዶክተር ካትሪን ሱዚንን ኣንባሳደራት ሃገራት ጣሊያን፣ ጃፓን ፣ ስዊዘርላንድ ፣ ቼክሪፐብሊክብ ፊንላንድን ናብ ጅግጅጋ ኣምሪሖም።

ብተወሳኺ ሓለፍቲ ትካላት ሓገዝ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ፣ ዩኒሴፍ ፣ ፋኦን ኣይ ኦ ኤምን እውን ናብቲ ክልል ኣትዮም።

እቶም ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ገራድ ዊል እንትበፅሑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሁሴን ሃሺ ቃሲም፣ ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልል ወይዘሮ ኣያን ኣብዲን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መመነግስቲ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቲ ክልል ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ነበርቲ እግሪ ምትካል ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ብምድሃብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ሶማሌ ኣይተ ሙስጤፌ መሓመድ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.