Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ..)ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው  ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ።

እቶም ዝተመልመሉ ኣሰልጠንቲን ኣትሌታትን ኢትዮጵያ ብምውካል 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ቶጎ፣ ሎሜ ንኽሳለጥ ኣብ ዝተሓሰበ መበል ሻድሻይ ዙር ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም ኣብ ሆቴል ኣትዮም ስልጠና ክወሃቦም ከምዝፀንሐ እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እምበር እቲ ውድድር ንቐፃሊ ዓመት ምስግጋሩ ዝገልፅ ደብዳበ ትማሊ ምሸት ካብ ኮንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ስለዝበፅሖ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካምፒ(ቀፅሪ) ዱከም ኣእትዩዎም ዝነበረ ኣትሌታት ካብ ሎሚ መዓልቲ 4 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝበተነ ኣፍሊጡ።

ምኽኒያት እቲ ስግግር ውድድር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ዝለዓለ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ምስሕፋሕ ቫይረስ ኮረና ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.