Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ከምትካፈል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 5 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ኒውዮርክ ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም 10 ሺሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶንን ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ከምትካፈል ተገሊፁ።

ኣትሌት ለተሰንበት ኣብ ዝሓፈ ዓመት ኣብ ቫሌንሲያ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን 2 ሰዓት 16 ደቒቕን 49 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ታሪኽ ቅልጡፍ ሰዓት ምምዝጋባ ይዝከር።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን÷ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ሜዳሊያ ነሓስ ዘምፀአት ኣትሌት ያለምዘርፍ ንፈለማ እዋን ከምትሳተፍ ተሓቢሩ፡፡

ክልተ ግዘ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተዓወተት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ÷ ኣብ ኒውዮርክ ኣትሌቲክስ ዓለም ናይ ፕላቲሚየም ደረጃ ውድድር ጉያ ጎደና ክትምለስ ኢያ ተባሂሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.