Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ማራቶን ለንደን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም ማራቶን ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን 2024 ከምዝሳተፉ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ማራቶን ለንደን ኣፍሊጡ፡፡

ወዲ 41 ዓመት ኣትሌት ቀነኒሳ÷ ኣብ 2023 ማራቶን ቫሌንሲያ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 9 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ዘፈር ልዑል ዕድመ ሓዱሽ ክብረወሰን ምምዝጋቡ ይዝከር።

ኣትሌት ቀነኒሳ ብመዳይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ታሪኽ ማራቶን ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ዝውንን ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ካብ ኣትሌት ቀነኒሳ ብተወሳኺ÷ ኣትሌት ታምራት ቶላን ሞስነት ገረመውን ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ዓለም እዚ እዋን ኢትዮጵያዊት ትእግስት ኣሰፋ ከምትሳተፍ እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡

ኣትሌት ትእግስት ምስ ነበር ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኬንያዊት ብሪግድ ኮስጌይ፣ ካብ ዓለም ራብዓይ ቅልጡፍ ሰዓት ትውንን ሩት ቼፕንጌቲች ከምኡ እውን ፔሬስ ጄፕቺርችር ልዑል ንሕንሕ ክገጥማ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ከምታሳተፍ እውን ተገሊፁ፡፡

ማራቶን ለንደን 2024 ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝቕፅል ወርሒ ሚያዚያ 21 ክካየድ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.