Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ዝተኸልከለ ቅመም ከምዝተጠቐመ ብምርግጋፁ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ከምዝተኣገደ ተገሊፁ።

እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን “እቲ ቀመም ተጠቒሙ ኢዩ” ተባሂሉ ብምጥርጣሩ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ መርመራ ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ይዝከር።

ብዝተገበረ ተወሳኺ ምርመራ ድማ ኣትሌት ብርሃኑ ብውልቁ ኣብ ዝገበሮም ውድድራት ዝተኸልከለ መድሓኒት ከምዝተጠቐመ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ኣትሌት ዝፈፀሞ ስሕተት ናይ መጀመርይኡ ብምዃኑ፥ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 15 መስከረም 2019 ጀሚሩ ክሳብ 14 መስከረም 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንከይሳተፍ እገዳ ተነቢሩሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዝተገበረ ውድድር ዘመዝገቦ ውፅኢትን ዝወሰዶ ህያብን ክስረዝ ከምዝተገበረ ካብ ብሄራዊ ቤት ፅሕፈት ፀረ መተባብዒ ቅመም ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.