Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ብሉፃት ኣትሌታት መናእሰይ ኣፍሪካ ብምዃን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዝበለፁ ኣትሌታትን ኣሰልጣኒን 2019 ዓ.ም ዕላዊ ገይሩ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣሰልጣኒ ሁሴን ሺቦ ዝበለፀ ኣሰልጣኒ ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዓመተ 2019 ብምዃን ተመሪፆም።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ድማ ብኽልቲኡ ፆታ ብሉፃት ኣትሌታት መናእሰይ ብምዃን ተዓዊቶም።

ኬንያዊት ብሪጊድ ኮስጌይ፥ ብደቂ ኣኒስቲዩ ብሉፅቲ ኣትሌታት እዚ ዓመት ኮይና።

ብተወሳኺ ኬንያዊ ቲሞቲ ቼሩዬት ብደቂ ተባዕቲዮ ብሉፅ ኣትሌታት ዓመተ 2019 ብምዃን ተዓዊቱ።

ፍልፍል፦ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ዩናይትድ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.