Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚቴ ፖለቲካ ኢትዮ ሱዳን ተዛዚሙ

አዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚቴ ፖለቲካ ኢትዮ ሱዳን ተዛዚሙ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት ዝተወከለ ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚቴ ፖለቲካ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም፣ ኣብ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ዶብን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ኣድሂቡ ልዝብ ኣካይዱ።

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ እንትኸውን፥ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ድማ ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ተመሪሑ።

እቲ ልዝብ ፖለቲካ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ፣ ሰላም፣ ሓቢርካ መንባርን ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝተመርኮዘ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ብዘጠናኽር መንፈስ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተገበረ ዘተ ብፍላይ ኣብ አዋሰንቲ ክልቲአን ከባቢታት በቢእዋኑ ዘጋጥሙ ፀገማት ፀፅታን ድሕንነትን ብዘላቒነት ምፍታሕ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዒሎም ኢዮም።

እቲ ልዝብ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልቲአን ሃገራት ዝረአዩ ዘይሕጋዊ ዘውውር ሰባት፣ ዘውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት፣ መጭወይቲን መሰል ዘይሕጋዊ ተግባራትን ብሓባር ንምክልኻልን መፍትሒ ንምቕማጥን ዘኽእሉ ኣንፈታት እውን ኣቐሚጡ ኢዩ።

ኣብ ዶብ ከባቢታት ዝነብሩ ሓረስቶት ተረጋጊኦም ብዘይምንም ምትእጉጓል ናይ ሕርሻ ስራሕቶም ክቕፅል ከምዝግባእ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋናት ይረኣዩ ዘለዉ ስግኣት ድሕንነትን ዝተረጋግአ ህይወት ነበርቲ ዝህውኹ ሓደሽቲ ምንቅስቓሳት ሓይሊታት ፀፅታ ብቕልጡፍ ንክስተኻኸሉ ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ናይ ሓባር ግንዛበ ተታሒዙሉ ኢዩ።

ኣካላት ምምሕዳር ተጎራበትቲ ክልቲአን ሃገራት በቢእዋኑ እናተራኸቡ ኣፈላላያት ብምፅባብ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ፀፅታ ከዝትዩ ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀፃሊ ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚቴ ፖለቲካ ኢትዮ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ካርቱም ንኽሳለጥ ክልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.