Fana: At a Speed of Life!

ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ብምኽኒያት ሓደጋ ነፋሪት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ሌተናል ጀነራል ኢብራሂም ኣታሂሩ ብምኽኒያት ሓደጋ ነፋሪት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካዱንጋ ብምሕምሻሻ እቶም ጀነራል ምሟቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዓሰርተ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን’ውን ሞይቶም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር መሓሙዱ ቡሃሪ ብሞት እቶም ኣዛዚ ከም ዝሓዘኑ ብምግላፅ፥ በቲ ሓደጋ ዓምዩቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ’ዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ሓደጋ “ሃገርና ዝበፅሓ ፀገም ድሕነት ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ዘጋጠመ ምዃኑ ዓብዪ ክሳራ’ዩ” ክብሉ አውን ኣብ ትዊተር ፅሒፎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.