Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኦርዲን በድሪ በዓል ዒድ ሸዋል ሕብረት ብዘጎልብት መልክዑ ንኽኽበር ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ርዕሰ ኣይተ ኦርዲን በድሪ በዓል ዒድ ሸዋል ባህላዊ ክብሪታቱ ሕብረትን ፍቕሪን ብዘጉልህ መልክዑ ብሰላም ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ክልል በቢዓመቱ ብልዑል ድምቀት ዝኽበር በዓል ዒድ ሸዋል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ከምዝተዛዘመ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

እቲ በዓል ንኽዕወት ግደ ዝነበሮም ህዝቢ እቲ ክልል፣ ኣካላት ፀፅታን ኣኽበርቲ ሕጊን፣ ልኡኻት ጎረባብቲ ክልላት ከምኡ እውን ካልኦት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ብሽም ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል ምስጋና ምቕራቦም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.